DU KVINNA

DU KVINNA

 Publicerad 17 maj 2021

ንስኺ ጓል-ኣንስተይቲ! ንስኺ ኣብ ገዛኺ ቅሳነት ንኽስምዓኪ መሰል ኣሎኪ።   ንስኺ ኣብ ገዛእ ኣካላትኪ ውሳኔ ክትወስዲ መሰል ኣሎኪ። ንስኺ ንገዛእ ገንዘብኪ መሰል ኣሎኪ። ንስኺ ከምቲ ትደልይዮ ክትክደኒ መሰል ኣሎኪ።   ንስኺ ንስራሕን ንትምህርቲ መሰል ኣሎኪ። ደቅኺ ጽቡቕ ክስምዖምን ብቕሳነት ክነብሩን መሰል ኣሎዎም። ንሕና ነንበይኑ ቋንቋታት ዝዛረባ ብዙሓት ኣንስቲ ንረክብ ኢና። ”ኢሪስ ክቪኖ-ሹረን” – (Kvinnojouren Iris) ኪህቦ ዚኽእል ደገፍ፡-   - ናይ ዝርርብ-ደገፍ - ዕቑብ ጊዚያዊ መንበሪ-ቦታ፡ ንኣንስትን ንቖልዑን - ደገፍ ምስ ኣብያተ-ስልጣን ንዚግበር ርክባት መንነትኪ ንኸይትገልጺ ትኽእሊ ኢኺ። ሓገዝ ዘድልየዶ ይኸውን? ናባና ደውሊ። 0920-22 22 23